ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 23 August 2022

ኣዛዚ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ ዝርከቦ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ዩጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ዘቤታዊ ጉዳያት ሄንሪ ኦኬሎ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ፍሉይ ናይ ጸጥታ ኣማኻሪን ፕረዚደንት ሙሆዚ ካይነሩጋባን፣ ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ዝሓቖፈ ጉጅለ፣ ብሰንበት 21 ነሓሰ እዩ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዑደት’ዚ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ዩጋንዳ ብዝምልከት፣ ‘ኣብ ዞባዊ ጸጥታ ዘተኮረ ዘተ ንምክያድ’ ካብ ዝብል መግለጺ ሓሊፉ፣ ካልእ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣይተዋህቦን። ኣባላት’ቲ ጉጅለ ልኡኽ መምስ ኢትዮጵያውያን መዘናታቶም ርክብ ከካዪዱ ምዃኖም ግና እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።

ውሽጣዊ ጸጥታዊ ኩነታትን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ በብግዚኡ ዝውላዕ ዘሎ ብሄር ዝመንቀሊኡ ሕንፍሽፍሽ ጥራይ ከይኣክል፣ ብወገን ሶማል ምስ ኣልሸባብ፣ ብወገን ሱዳን ኣልፋሽጋን ፈለግ ናይልን ዝመንቀሊኦም ብቅልውላዋት ተኸቢቡ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን መንግስታት ኣብ ቀጻሊ ርክባት ተጸሚዱ ይርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0