ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣጠንቒቑ

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣጠንቒቑ

Radio Erena: 15 November 2017

Zimbabwe

ፕረዚደንት ዙምባብዌ ሮበርት ሙጋበን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም፣ ሰራዊት እታ ሃገር ምትእትታው ክገብር ምዃኑ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ጀነራል ኮንስታንቲን ቺዌጋ ኣጠንቒቑ።

እቲ ጀነራል ነዚ መጠንቐቕታ ብጽሑፍ ዘመሓላለፈ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንበዓልቲ ቤቱ ስልጣን ንምጥጣህ፣ ምክትሉ ንዝነበረ በዓል ስልጣን ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምስጓጉ’ዩ።

ንዝበዝሐ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እተካይድ ዘሎ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሙገበ፣ ስልጣን እቲ ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ በዓል ቤት ንምውራስ፣ ንሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ካብ ስልጣን ናይ ምብራርን ምእሳርን ስጉምታት ተካይድ ከምዘላ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

“ሰውራ ዚምባብዌ ተጠሊሙ’ዩ” ዝበለ ጀነራል ቺዌጋ፣ ንሱ ዝመርሖ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ከእቱ ከምዝኽእል’ዩ ዘጠንቕቅ።

ኩነታት ዙምባብዌ ብኸምዚ ዘሎ እንተቐጺሉ እቲ ጀነራል ወትሃደራዊ ዕልዋ ክፍጽም ከምዝኽእል ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ መዓልታት፣ ሓያሎ ታንክታት ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት እታ ሃገር ክዋፈራ ከምዝራዩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ይሕብሩ።

ካብ እዋን ናጽነታ ኣትሒዛ፣ ን38 ዓመት ብፕረዚደንት ሙገበ ዝተመርሐ ዚምባብዌ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ንዓመታት ረሚሱዋ ዘሎ ቁጠባዊ ውድቀት፣ ስልጣን ንምስግጋር’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ትርከብ።

ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ሓደ ካብቶም ንምስሊ ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ 10 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ሓደ ካብኣቶም ምዃኑ ሰነዳት የረጋግጹ።

 =============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0