ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳን፣ ኣብ መበል 47 ዓመቱ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ምፍናዉ፣ ንኣቡኡ ንምትካእ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 09 March 2022

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚን ወዱ ንፕረዚደንትን ኡጋንዳን፣ ሌተናትን ጀነራል ሙሁዚ ካይነረጉባ፣ ኣብ መበል 47 ዓመቱ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ምፍናዉ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ንኣቡኡ ብምትካእ ስልጣን ንኽርከብ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ምዃኑ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ገሊጸን።

እቲ ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝኾነ ጀነራል፣ ካብ 19 ዓመት ኣትሒዙ ን28 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ጽፍሕታት እታ ሃገር ተመዲቡ ክሰርሕ’ዩ ጸኒሑ።

ገለ ካብቲ ዝመደበሉ ጽፍሕታት ድማ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንትን ቤተ መንግስትን ዝተዋፈረ ፍሉይ ሓይልታትን ምጥቃስ ይከኣል።

ንኡጋንዳ ን36 ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 77 ዓመት ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ዛጊት ዝተሓበረ ጥዕናዊ ጸገማት እኳ እንተዘይብሉ፣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ስልጣኑ ክሓድግ ምዃኑ ይዝረብ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ናብ ስልጣን ንዝመጹ ዜጋታት እታ ሃገር ዘይኮነ፣ ናብ ቦኽሪ ወዱ ንምስግጋር፣ ሽርሕታት ፖለቲካ የዳሉ ምህላዉ ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዝርለቡ 8 መራሕቲ ሃገራት’ዩ።

ንኤርትራ ን31 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን፣ ሓደ ካብቶም ምስሊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ደዊኖም ዘለዉ፣ መለኽቲ ናይዛ ኣህጉር ተባሂሉ ምስ ሙሴቬኒ ኣብ ሓደ ዝርዝር ተቐሚጡ ይርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0