ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2022 ዝኣተወቶ ስምምዕ ተግባራዊ ክትገብር ይጽውዕ

Radio Erena: Friday, 29 December 2023

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ዘቕረብዎ ሓባራዊ ጸብጻብ፣ ኩሎም ኣካላት መሰጋገሪ ፍትሒ ብማዕረ ምትግባር ከምዘድሊ ኣስሚሮሙሉ።

እዚኦም ድማ ገበናዊ ተሓታትነት፣ ምድላይ ፍትሒ፣ ካሕሳን ካልእን ዘጠቓለሉ ኮይኖም ንግዳያት ፍትሒ ምውጻእ፣ ከምኡ ውን ሕጋዊ ጽገናታትን ዕርቅን ዝሓዙ እዮም።

ካብቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓለፍቲ ትግራይን ዝተኸተመ ናይ ሕዳር 2022 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝተጠቕሰ ሓደ፣ ምምስራት መሰጋገሪ ፖሊሲታት ፍትሒ እዩ።

እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር ዝነበረ ደማዊ ግጭት ንኸብቅዕን ነባሪ ፍታሕ ንምድላይን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ብቕትለት፣ ስቅያት፣ ብዓሌትን እምነትን መሰረት ዝገበረ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብልዑል ቁጽሪ ከምዝተራእየ ይዝከር።

እቲ ኩነታት ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተኸስተ ግጭት ከምዝተጋደደን ህይወት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉሉ ኩነታት ከም ዝሰዓበ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግጭት፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ወጥሪ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝበ ኣሰ መልክዑ ይወስዶ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኢትዮጵያ ምስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝሰማማዕ ሃገራዊ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ንምምዕባል ዝወሰደቶ ስጉምትታት ብሓጎስ ብምቕባል ብተወሳኺ ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ገበናት፣ ኣብ ሃገራተን ንዘጋጥም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ናይ ምጽራይን ምኽሳስን ግዴታ ከምዘለወን ኣስሚሩሉ።

“እቶም ዓመጽ ዝበጽሖም ሰባት፣ እኹልን ኩለመዳያዊ ፍታሕን ቅልጡፍ ካሕሳን ክረኽቡ ኣለዎም ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0