ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት የመን፣ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት የመን፣ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

Radio Erena: 29 May 2018

yemen general

ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት የመን ሜጀር ጀነራል ሳላሕ ኣል ዚንዳኒ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ከምዝደሓነ ዓረብ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ ጀነራል፣ ብሰንበት 28 ግንቦት ኣብ ዓደን ካብ ዝርከብ ሆስፒታል ናብ ገዝኡ እናምርሐ እንከሎ’ዩ መጥቃዕቲ ተኻይድሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ዖበይድ ቢን ዳግር ነቲ ፈተነ ቅትለት፣ ጸጥታ እታ ሃገር ብዝበኣሰ ንምሕማስ ዝተወጠነ “ባርባራዊ” ተግባር’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ናይቲ ፈተነ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን፣ ናብ ሑቲ ኣጸጊዕዎ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ፈጺመን ዘለዋ ሃገራት፣ ነቲ ኩነታት ንምግዳዱ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ንምቕንጻሉ ውዲት ኣሊመን ክኾና ከምዝኽእላ ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0