ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳኔ ተስፋታት ይህብ

Radio Erena: 07 September 2016

IsrER

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ካብ ሰራዊት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ከይወሃቡ ከልኪልዎም ምጽንሑ፣ ንኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር’ዩ ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰንበት 4 መስከረም ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ካብ ሰራዊት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ናይ ዑቕባ መሰሎም ክነፍጎም ምጽንሑ ኮኒኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳኔ፣ ኣብ ሃገር ንዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።

 

ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ተቀባልነት ክረክብ፣ Tel Aviv University’s Refugee Rights Clinic and the Hotline for Refugees and Migrants ዝተባህላ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ክልተ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ቅድሚ ክሎተ ዓመት’የን ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪበንኦ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ከጻርዮ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፣ ካብ ግዱድ ውትህድርና ዝሃደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ይግብኦም’ዩ ክብል፣ ንፖሊሲ ሚኒስትሪ ውስጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዝጻረር ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ እስራኤል፣ ወግሐ ጸብሐ ንሓተቲ ዑቕባ ዘጨናንቕ ሓድስቲ ኣዋጃት እናዘርግሐ፣ ንትግባረ እዚ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓሊፉ ዘሎ ወሳነ ክሓናኹል ምዃኑ’ዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ።

በዓል መዚ ስደተኛታት እታ ሃገር ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ካብ 2009 ክሳብ ሓምለ 2016ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 7218 ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ካብዚኣቶም ሸሞንተ ጥራይ’ዮም ዑቕባ ተዋሂብዎም።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ናይቶም 3105 ጉዳይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ መልሲ ከምዘይተዋህቦ ብምጥቃስ፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ጉዳዮም ዝተነጽገን ካብ መስርሕ ዝወጸን ምዃኑ የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0