ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ብግዴታ ዝቑረጽ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ነቒፉ

Radio Erena: 09 May 2019

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ካብ ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብግዴታ ዝቑረጽ ዘሎ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ነቒፉ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ቤት ፍርዲ፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣታዊታቶም ንዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞ ስምምዕ ምቁራጹ’ውን ተቓዊሙ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባ ወይ ስደተኛ፣ ካብ እስራኤል ክሳብ ዝወጽእ፣ 20 ሚእታዊት ካብ ዝርኽቦ ኣታዊታት ብግዴታ ተቖሪጹ ክተሓዝ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ’ዩ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ብወገኑ፣ እዚ መንግስቲ እስራኤል ዘተኣታተዎ ፖሊሲ፣ ስደተኛታት ክወጹ ዘተባብዕ ዘይኮነ፣ ሕሱም መነባብሮ ከምዘሕልፉ ዝገብር’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ጸብጻብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ከምዘመልክቶ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፣ ካብ እስራኤል ናይ ዝወጹ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝሒ ምስ ናይ 2017 ክነጻጸር እንከሎ ብ20 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ናይ መንግስቲ እስራኤል ፖሊሲ፣ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ግዳያት ኣስራሕቶምን ካልኦት በለጸኛታትን ይገብሮም ከምዘሎ’ዩ ተጠቒሱ።

ሓያሎ ካብ ኣስራሕቲ፣ ነቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ፖሊሲ እናተጠቕሙ፣ ነቲ ካብ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝእከብ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም፣ ናብ ናይ ውልቆም ሕሳባት የሰጋግርዎ ከምዘለዉ’ውን ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብነታት ብምጥቃስ ኣቕሪቡ።

ኣስታት 8 ሽሕ ኤርትራውያን በብእዋኑ ካብ እስራኤል ከምዝወጹ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብታ ሃገር ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    መንግስቲ እስራኤል. ስደተኛ. ምኻኖም ረሲዖሞ. ማለት እዪ. ብኻልኣይ ክኣ. እቶም unhcr ጸረ. ስደተኛ ይሰርሑ ኣለዉ ፣