ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 September 2020

ብ ‘ኣቡ ዑበይዳ’ ዝፍለጥ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ንሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እቲ ኣሕመድ ድርየ ወይ ድማ ኣሕመድ ዑመር እናተባህለ ዝጽዋዕ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 48 ዓመት ዝርከብ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ፣ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየሉ ምኽንያት ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገም ምዃኑ ተመልኪቱ።

እንተኾነ፣ ነቲ ሽበራዊ ጉጅለ ክመርሕ ዝጸንሐ ኣቡ ዑበይዳ ብሃንደበት ካብ ስልጣኑ ዝእለ ዘሎ፣ ኣልሸባብ ውሽጣዊ ምግምማዕ ኣጋጢም ኣብ ዘሎ እዋን ምስ ምዃኑ ካልእ ጥርጣረታት ኣሕዲሩ ‘ሎ።

ኣቡ ዑበይዳ፣ ነቲ ብ2014 ብወትሃደራዊ ስርሒት ዝተቀትለ ኣሕመድ ዓብዲ ጎደና ብምትካእ’ዩ ላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ኮይኑ።

ምክትሉ ዝነበረ፣ ኣቡበከር ዓደን፣ ንኣልሸባብ ብግዝያውነት ክመርሕ ተረቑሑ እኳ እንተሎ፣ ብ ‘ማሓድ ካራት’ ዝምራሕ ካልእ ኣካል እቲ ጉጅለ ግና ተቓዊምዎ ከምዘሎ ጸብጻብ ስለያ መንግስቲ ሶማል ይጠቕስ።

ኣመሪካ፣ ንላዕለዋይ መራሒ ኣልሸባብ ዘትሓዘ፣ ዝቐተለ ወይ ድማ ዘለዎ ቦታ ዝሓበረ 6 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ክትህብ ምኳና ካብ 2015 ኣትሒዛ ኣፍሊጣ’ያ።

ኣብ 2004 ኣብ ሶማል ዝተመስረተ ኣልሸባብ ምስ ኣልቓዒዳን ዳዒሽን ንምጽንባር ተበግሶታት ኣብ ዝወሰደሉ እዋናት፣ ተደጋጋሚ እዋን ምክፍፋላት ከጋጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ፣ ሓያሎ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ክስልሙ ተራእዮም።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0