ሊብያ፣ ኵናት ኣብ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ጻውዒት ይቐርብ

Radio Erena: 18 April 2019

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር፣ ኣብ መንጎ ሚሊሻታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ስደተኛታት፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ክግዕዙ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ15 ሚያዝያ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ውሑስ ቦታታት ክግዕዝ እንከሎ፣ እቶም ስደተኛታት፣ ተታሒዞምሉ ኣብ ዘለዉ መዳጎኒ ቦታታት ክጸንሑ ምውሳኑ ኢሰብኣዊ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

መብዛሕትኡ’ቲ ስደተኛታት ተኣሲሮምሉ ዝርከብ ከባቢታት ዓይን ዛራ፣ ቓስር ቢን ቓሺርን ኣቡ ስለይምን፣ ጽዕጹዕ ኵናት ይካየደሉ ከምዘሎ ዘመልከተ ኮሚሽነር UNHCR ፊሊፖ ግራንዲ፣ ናብ ውሑስ ቦታ ምግዓዞም ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ዝተወሰነ ብዝሒ ካብቶም ስደተኛታት፣ ኵናት ናብ ዘይብሉ ውሑስ ቦታ ከሰጋግር እኳ እንተኸኣለ፣ ዝበዝሑ ግና ኣብ ማእከል’ቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ተሪፎም ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ እዋናት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ስደተኛታት ኣብ ሃንገራት ናይቲ መዳጎኒ ማእከላት ተዓጽዮም ኣለዉ።

ሓያሎ ካብዞም ኤርትራውያን፣ ንዘለውዎ ሕማቕ ኩነታት ብቪድዮ እናሰኣሎ ብማሕበራዊ ሜዳያት ከምዝዝርጋሕ ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ካልእ ዜና፣ 70 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ናብ ሃገራት ዓረብ ንምስጋር ኣብ ዝፈተነትሉ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝጠሓለት ድሒሩ ዝተዘርገሐ ዜና ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም ግዳያት ናይታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዝጠሓለት ጃልባ፣ ተወላዶ ክልል ትግራይ ምዃኖም ዘመልከተ ሓበሬታ ናይቲ ክልል፣ ስድራቤታቶም ይርድኡ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ናይ ሓዘን መግለጺ ዘርጊሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0