ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 500 ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክግዕዙ’ዮም

Radio Erena: 11 September 2019

ርዋንዳ፣ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝሳቐዩ ንዘለዉ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ክትቅበል ዘኽእላ መዘክር ትማሊ 10 መስከረም ከቲማ።

እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ርዋንዳን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ነቶም ካብ ሊብያ ዝግዕዙ ስደተኛታት፣ ርዋንዳ ብዝግያውነት ከተዕቑብ ዘኽእላ’ዩ።

እታ ሃገር፣ ከም መፈለምታ፣ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 500 ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ክትቅበሎም’ያ።

ርዋንዳ፣ ካብ ሊብያን ኒጀርን ኣማኢት ስደተኛታት ንምቕባል ድልውቲ ከምዘላ ክትገልጽ ዝጸንሐት፣ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ 2017 ዝኣተወቶ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ናይ ምቅባል መብጽዓ’ዩ።

ኩነታት ሊብያ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ሕማቕ ወዲቖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከቦም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ምግዓዞም ሓላፍነት ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዓለም ክነሱ፣ ተበግሶ ዝወሰዳ ሃገራት ግና ሒደት’የን።

ርዋንዳ ኣቐዲማ’ውን ምስ መንግስቲ እስራኤል ብዝበጽሓቶ ስምምዕ፣ ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ስደተኛታት ክትቅብለ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ካብቶም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መሰላቶም ብግቡእ ከይተሓለወ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቆም ብደላሎ ናብ ኡጋንዳ ክሰግሩ ከምዝተገደዱን’ዮም ዝጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0