ሊብያ፣ ኣብ ኮንተይነር ተጸፍጺፎም ይሰጋገሩ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ብውሕዱ ሽዱሽተ ቆልዑ ተዓብዒቦም ሞይቶም

ሊብያ፣ ኣብ ኮንተይነር ተጸፍጺፎም ይሰጋገሩ ካብ ዝነበሩ ስደተኛታት ብውሕዱ ሽዱሽተ ቆልዑ ተዓብዒቦም ሞይቶም

Radio Erena: 17 July 2018

 libya campኣብ ሊብያ፣ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ዙዋራ፣ ኣብ ኮንተይነር ተጸፍጺፎም ይሰጋገሩ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ተዓብዒቦም ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ናይታ ከተማ ሓለፍቲ ጸጥታ ብዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ካብቶም ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስ ኣብ ኮንተይነር ተዓጽዮም ዝመቱ ሰባት እቶም ሽዱሽተ ቆልዑ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ክልተ ከኣ ሓንቲ ጓልን ሓደ ወድን’ዮም።

እቶም ብህወይት ዝደሓኑ ኣስታት 100 ሰባት፣ ኣብ ሆስፒታል ናይታ ከተማ ቀዳማይ ረዲኤት ሕክምና ከምዝተገብረሎም ንምንጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ዜግነት ናይቶም ዝሞቱ ይኹን ብህይወት ድሒኖም ዘለው ስደተኛታት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እዞም ኣብ ከተማ ዙዋራ ግዳያት ምዕብዓብ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብቲ ኮንተይነር ዝተዓጽዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ መዝርዓታት ተታሖዝም ካብ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብጃልባ ንምፍናዎም፣ ኣሕምልትን መግብን ንምምልላስ ተባሂሉ ብዝተሰርሐ መዝሓሊ ዘለዎ ኮንተይነራት ተጸፍጺፎም ናብ ገማግም ባሕሪ ከምዝሰጋገሩ ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0