ሊብያ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጃልባ ብምጣሓላ፣ ብውሕዱ 24 ሓተቲ ዑቕባ ከምዝጠሓሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 17 September 2020

ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሰት፣ ናይ ጎማ ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ፣ ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ፣ ናይ 24 ሰባት ህወይት ከምዝጠፍአ ወኪል ኣህጉራዊ ምሕበር ስደተኛታት ካብ ጣራብሎስ ኣፍሊጡ።

መንነት ናይቶም ዝጠሓሉ ሓተቲ ዑቕባ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ብሰሉስ 15 መስከረም፣ ሓተቲ ዑቕባ ዝጸዓና ሰለስተ ናይ ጎማ ጃላቡ ካብ ገማግም ሊብያ ድሕሪ ምብጋሰን’ዩ ርሑቕ ከይተጓዕዛ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣንጸላልዩወን።

ኣብተን ክልተ ዝነበሩ ኣስታት 45 ሰባት ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክድሕኑ እንከለዉ፣ ኣብታ ሳልሰይቲ ዝነበሩ ግና ዳርጋ ብምሉኦም’ዮም ጢሒሎም።

ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫየርስ ዶባተን ዓጽየን ኣብ ዘለዋሉ ወቕቲ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብማእከላይ ባሕሪ ይሰግሩ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ እትቕበሎም ሃገር ዝሰኣኑ፣ ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ባሕሪ ንሰሙናት ኣብ ሰንፈላል ድሕሪ ምጽንሖም ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0