ሊብያ፣ ‘ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ’ 109 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ተታሒዞም

Radio Erena: 17 September 2021

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ዚንታን፣ ብሰሉስ 14 መስከረም፣ 109 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ከምዝተኣስሩ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ ከተማ ጣራብሎስ ኣስታት 160 ኪሎሜተር ርሑቓ፣ ኣብ ምዕራብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ዚንታን ዝተታሕዙ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

16 ካብኣቶም ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ ክልተ ቆልዑ ድማ ይርከብዎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዚንታን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ዘመልከተ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ፣ ጉዳዮም ሕጋዊ መስርሕ ክኽተል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ሊብያ፣ በብእዋኑ ዝተታሕዙ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ስደተኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከቢድ ግፍዕታት ከምዝወርዶም ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0