ሊብያ፣ ተቛሪጹ ዝጸንሐ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ውሕሱ ቦታ ናይ ምግዓዝ መስርሕ ጀሚሩ

Radio Erena: 16 October 2020

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ናብ ውሕሱ ቦታ ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ዳግም ምጅማሩ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ናብ ዓርቢ 16 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ዝርከብዎም 153 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣብ ኒጀር ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ኣግዒዙ።

እዞም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲን መዝርዓታትን ክሳቐዩ ዝጸንሑ’ዮም።

ካብዞም ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ዝገዓዙ ሓተቲ ዑቕባ፣ እቶም 16 ስድራቤታት 15 ድማ ቆልዑን ዝርከብዎም’ዮም።

ካብቶም ቆልዑ’ውን እቶም ዝበዝሑ ብዘይኣላዩ ናብ ስደት ዝወጹ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሊብያ ልዕሊ 3400 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ማእሰርትን መዓስከራትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ከምዘለዉ ይጥቀስ።

ይኹን’ምበር፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ካብን ናብን ሃገራት ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ብምጽንሑ፣ UNHCR ነዞም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ናይ ምግዓዞም መስርሕ ንኣስታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ደው ኣቢሉ’ዩ ጸኒሑ።

ስእሊ፣- ካብ መርበብ ሓበሬታ UNHCR

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0