ሆላንድ፣ ነፍሰጾር በዓልቲ ቤቱ “ዝቐተለ” ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 30 August 2019

ኣብ ሆላንድ፣ ዞባ ግሮኒንገን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሊንስ ዝነብር ኤርትራዊ፣ በዓልቲ ቤቱን ኣብ ማህጸና ዝነበረ ዕሸልን ብምቕታሉ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት ዝርከብ መንእሰይ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፣ ናይ 24 ሰሙን ነፍሰጾር ንዝነበረት ጓል 23 ዓመት በዓልቲ ቤቱ፣ ብከቢድ ሃሪሙ፣ ጎረርኣ ብምሕናቕ ህይወታ ከምዘሕለፋ’ዩ እቲ ክሲ ዝገልጽ።

ድሕሪ ሞት ነፍሰ ጾር በዓልቲ ቤቱ፣ ሓገዝ ንምሕታት ባዕሉ ከምዝደወለ ዝሓበረ ፖሊስ ሆላንድ፣ ህይወት ንምድሓን ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይትዓወተ ኣረዲኡ።

ንሱ፣ ንነፍሰጾር በዓልቲ ቤቱ፣ ክሳብ ምቕታል ዘብጽሕ ጎነጽ ዝፈጸመሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን። ይኹን’ምበር ናይ ስነኣምሮ ሕክምናዊ መርመራታት ይካየደሉ ከምዘሎ ጸብጻብ ፖሊስ የመልክት።

ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር፣ እቲ ኤርትራዊ 12 ዓመታት ክእሰር ይጠልብ።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብ27 ሓምለ፣ ምሉእ መዓልቲ ተጋቢኡ እኳ እንተወዓለ ውሳኔ ኣየሕለፈን።

እቲ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ 17 መስከረም ናይ መወዳእታ ብይን ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ እዋን’ዪ ቅትለት ደቂሶም ዝነበሩ ክልተ ደቆም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኣለይቲ ማሕበራዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0