ህዝቢ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ምልኪ ኩነታት ቀይሩ ብሕግን ዴሞክራሲ እትመሓደር ኤርትራ ናይ ምፍጣር ብቕዓትን ተስፋን ከምዘሎ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርግስ ገሊጹ

ህዝቢ ኤርትራ ንዘሎ ናይ ምልኪ ኩነታት ቀይሩ ብሕግን ዴሞክራሲ እትመሓደር ኤርትራ ናይ ምፍጣር ብቕዓትን ተስፋን ከምዘሎ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርግስ ገሊጹ

Radio Erena: 10 October, 2014

Andeneknek

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ሰለስተን መዋእል ናጽነት ዓመታትን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዝመልኦ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍን ኩሉ ዓይነት መሰላቱ ተገፊፉ እቲ ምእንቲ ናጽነት፡ ሓርነትን ፍትሒን ዝተኸፍለ መስዋእቲ ጀጋኑ ደቁ መባሕቲ ስልጣን ውሑዳት ሰባት ኮይኑ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ናይ ድኽነት ከም ዝርከብ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ኣብ ስደት ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውረጳ ነበር ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕተት ገሊጹ።

ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግስ ኣብዚ ቀረባ አዋን ኣስታት 690 ገጻት ዘለዋ ንህልው ኩነታት ኤርትራ አተንጸባርቕ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ (Eritrea at a Crossroads) ዘርእስት መጽሓፍ ብቋንቋ አንግሊዝኛ ዘሕተመ ክኸውን ከሎ

ሓፈሻዊ ትሕዝቶኣ ድማ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓወትን ጥልመትን ዝተመርኮሰ ህልው ናብራ ኤርትራውያን ሕጂ ውን ህዝቢ ከም ብሓድሽ ምእንቲ መሰሉ ተቓሊሱ ነታ ዘፍቅራ ሃገሩ ብሕግን ዲሞክራስን ኣመሓዲሩ ነዚ ዘሎ ኩነታቱ ክቕይር ብቕዓትን ተስፋን ከም ዘለዎ እተብርህ እያ።

ኣቶ ዓንደብርሃን ኣብ መዋእል ህይወቱ መጀመርታ ከም ተጋዳላይ ህዝባኢ ግምባር ኮይኑ ኣብ ዝተቓለሰሉ እዋን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ፈለማ ከም ፕረሲደንት ኣስመራ ይኒቨርሲቲ፡ ድሒሩ ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ኣብ መወድእታ ድማ ኣብ ሓያሎይ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለን ኣብ 2006 ድማ ንዓመጽ መንግስቲ ኤርትራ ተቓዊሙ ከም ብዙሓት ዘይሕጉሳት ስደተኛታት ኣብ ስደት ዝነበር ዘሎ ኣባል ናይቲ ብመድረኽ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መደብና ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ናይ ዝተኻየደ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ናይ ቀዳም 11 ጥምቲ ፈነወና ክቀርብ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0