ህንዲን ፓኪስታንን፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ን70 ዓመታት ዘይተፈትሐ ዋንነት ዞባ ካሽሚር ንምዝርራብ ይሰማምዓ

ህንዲን ፓኪስታንን፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ን70 ዓመታት ዘይተፈትሐ ዋንነት ዞባ ካሽሚር ንምዝርራብ ይሰማምዓ

Radio Erena: 21 August 2018

 india pakistanፕረዚደንት ህንዲ ናሪንድራ ሞዲ፣ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ካሃን ንዝቐረበሉ ናይ ዘተ ሰላም እማመ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ዘተ ሰላም እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ከምዝኣምን ብምጥቃስ፣ ንኽዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጻሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ምስ ህንዲ ዘሎና ምስሕሓብ ኣወጊድና፣ ሰናይ ጉርብትና ክንምስርት ኢና” ክብል ኣስሚርሉ።

ፓኪስታን፣ ካብ ህንዲ ተፈልያ፣ ኣብ 1947 ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ ዓመት ዝተወልዐ ዶባዊ ምስሕሓብ ዞባ ካሽሚር፣ ሰለስተ እዋናት ናብ ኵናት ኣምሪሑ’ዩ።

ህንድን ፓኪስታንን፣ ነዚ ብኵናት ክፈትሕኦ ዘይክኣላ ጉዳይ፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ውሳኔ እኳ እንተተዋህበሉ፣ ሰላም ከውሕስ ግና ኣይከኣለን።

እዚ ን70 ዓመታት ዘይተፈትሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ህንድን ፓኪስታንን፣ ብዘተ ንምፍትሑ ዝተወስዱ ተበግሶታት’ውን ምስ ምቅይያራት መንግስታት ናይዘን ሃገራት ናብ ፍረ ኣይበጽሐን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0