ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ 3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ንመቐዳድምቱ ብምርሕራሕ ቀዳማይ ወጺኡ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ፕሮኮኒንትንታል ቲም Green Project-Bardiani CSF-Faizanè፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ሎሚ ሰሉስ 21 የካቲት 2023፡ ካብ ከተማ ሁየ ናብ ከተማ ሙሳንዘ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለ 3ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ንመቐዳድምቱ ብምርሕራሕ ቀዳማይ ወጺኡ።

ሄኖክ ምስ ካልኣዩ በልጅዩማዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ቲም Soudal – Quick-Step Devo ዊልያም ጁንየር ሌሰርፍ፡ ተዳልዩ ንዝነበረ 199.5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት፡ ብ5 ሰዓታት፡ 13 ደቓይቕን 37 ካልኢታትን ብምዕማም ኣብ መፈጸምታ ዝበጽሐ ክኸውን ከሎ፡ ቀዲሙ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ድማ፡ ተዓዋቲ ናይ’ዚ ዕለት ኮይኑ።

ዩክሬናዊ ተቐዳዳማይ ኮንቲነንታል ክለብ Terengganu Polygon ኣናቶሊ ቡድያክ ብወገኑ ብ2 ካልኢታት ድሒሩ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ቀዳማይ መድረኽ 3ይ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ድማ 2ይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ በዚ ናይ ሎሚ ዓወቱ ተሓጊዙ፡ ንብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ኣብ ዝባኑ ክመልሳ በቒዑ ኣሎ።

እዚ ወዲ 23 ዓመት ኣትሌት፡ ንማልያ “ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” እውን ካብ ፈላሚ ዕለት ኣትሒዙ ኣብ ኢዱ ኣእትይዋ ቀንዩ።

ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ ሮቡዕ ኣብ ራብዓይ መድረኽ፡ ካብ ከተማ ሙሳንዘ ናብ ካሮንጊ 138.5 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ክሽፍን እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0