ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ትሳተፍ ኣላ

ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 14 November 2017

National team

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 12 ክሳብ 19 ሕዳር ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ዙር ሩዋንዳ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብዚ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎን ኣብ ሸውዓተ መድረኻት፣ 821 ኪሎ ሜተርን ዝሽፍን ናይ ሓደ ሰሙን ቅድድም፣ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሞን እትእለ ሃገራዊ ቅድድም ብሽክለታ ንተስፎም ዑቕባማርያም፡ ሳይሞን ሙሴ፡ ኣሮን ደብረጽዮን፡ ኣማኑኤል ጸጋይን ናትናኤል መብራህቱን ሓቚፋ’ያ ትወዳደር ዘላ።

ብዘይካ’ዚ መትከል ኢዮብ ዝተባህለ ካልእ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ’ውን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተጸሚዱ ይርከብ።

ትማሊ ሰኑይ 13 ሕዳር፣ ኣብ ዝተሰላሰለ 120.3 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝሸፈነ ቀዳማይ መድረኽ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓሙሻይ ንዘሎ ደረጃታት ክብሕቱ እንከለዉ፣ ዝርዝሩ ምስ እንርኢ፣-

1ይ ሩዋንዳዊ ጆሴፍ ኣሬሩያ ዳይመንሽን ዳታ

2ይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኬንት መይን ዳይመንሽን ዳታ
3ይ ናትናኤል መብራህቶም ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ
4ይ ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ ዳይመንሽን ዳታ
5ይ ኣሮን ደብረጽዮን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ’ዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0