ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንተኸታታሊ ሓሙሻይ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይና

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ንተኸታታሊ ሓሙሻይ ዓመት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይና

Radio Erena: 09 February 2015

nationalteamcy

ሎሚ ሰኑይ 9 ለካቲት 2015፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብደረጃ ሃገር ንመበል 10ይ ግዜ፡ ኣብ ዝተኻየደ፡ 48 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ክሮኖ-ሜትር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ፡ ንተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስን መኽሰብ ደበሳይን ዘሰለፈት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ንሓሙሻይ ዓመት ኣከታቲላ ሻምፕዮን ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይና።

ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ከኣ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ተቐዳደምቲ ወሓዚት ኪዳነ፡ ጸሃይነሽ ፍጹም፡ ሞሳና ደበሳይን ዮሃና ዳዊትን ከኣ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮ ዝወከላ ክኾና ከለዋ፡ ኣብ’ቲ 48 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ክሮኖ-ሜትር፡ ንደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን ስዒበን ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዐን።

 

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ነዚ ውድድር ኣብ ሰዓት 45.247 ኪሎ ሜተር እናተወንጨፈት፡ ብ1 ሰዓትን 3 ደቒቕን 39 ካልኢትን ብምዝዛም እያ ነዚ ውድድር ተዓዊታትሉ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኲቤካ መርሃዊ ቅዱስ፡ ብድሕሪ’ዚ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ብግስ ምስ በልና መኽሰብ ደበሳይ ብሽክለታ ስለ ዘበላሸወ፡ ክንጽበዮ ብምግዳድና፡ ብዝኸሰርናዮ ግዜ ኣብ ትሕቲ ወጥሪ ኮይና ኢና ውድድርና ኣካይድና። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ብዝግብእ ኣሊና፡ ክንዕወት ብምኽኣልና፡ ዘገርም እዩ።” ኢሉ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ መኽሰብ ደበሳይ ብሽክለታ ብምልሻዉ፡ ክሳብ ዝቕይር ብገምጋም ኣስታት 14 ካልኢታት ዝኸሰረት ክትከውን ከላ፡ ነዚ ዝጠፍአ ግዜ ኣሕውያ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብ3 ካልኢታት በሊጻ እያ ነዚ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0