ሃይማኖትን መንግስትን ዝፈላልይ ስምምዕ ሱዳን ዘይምስምማዕ ይፈጥር

Radio Erena: 13 September 2020

ንምፍልላይ ሃይማኖትን መንግስትን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን መራሒ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም.ኤን. ዓብደል ዓዚዝ ኣልሒሉ ዝተኻየደ ኣፈናዊ ስምምዕ፣ ተቐባልነት የብሉን ክብል ሃይማኖታዊ መራሒ ሰልፊ ኡማ ተቓዊሙ።

ኣብቲ ብ3 መስከረም ዝተኻየደ ዘተ፣ እቲ ዝቐውም ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን፣ ሃይማኖትን መንግስትን ፈላልዩ ዘቐመጠ ሕጊ ክህልዎ ኣብ ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሉ፣ ጸሓፊ ሰልፊ ኡማ፣ ኣሳድቕ ኣልማህዲ፣ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

እንተኾነ ሃይማኖታዊ መራሒ’ቲ ውድብ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፣ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ዘረጋግጽ ግዚያዊ መንግስቲ ክመርሕ ደኣምበር፣ ናይ መጻኢ መንግስቲ ዝምርሓሉ ሕግታት ክውስን ስልጣንን ሓላፍነትን የብሉን ክብል ከሲሱ።

ንኣስታት 30 ዓመታት ብሃይማኖታዊ መንግስቲ ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን፣ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተኸታታሊ ኣኼባታት ብምክያድ ሃይማኖታዊ ዘይኮነ መንግስቲ ንምትካል ዝሕግዝ ስምምዕ እዩ እቲ ብዕለት 3 መስከረም ዝተኻየደ ኣኼባ።

እንተኾነ እዚ ስምምዕ’ዚ ተግባራዊ ክኸውን፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ውድባትን ክቕበልዎ ስለዘለዎም፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0