Breaking News:-ክልተ ተጻወቲ ሃ.ጋ.ኤርትራ ኣብ ኬንያ ከምዝሃደሙ ይግልጽ ኣሎ

ኣብ ግጥማት ሴካፋ እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕኦ እግሪ ኤርትራ ትማሊ ቀዳም ልምምድ ድሕሪ ምክያዳ፣ ክልተ ካብ ተጻወታ ከምዝተሰወሩ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ግጥም ገሊጾም።

እቶም ዛጊት መንነቶም ዘይተነጸረ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ካብቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ተዓጽዮምሉ ዝርከቡ ሆቴል ከምዝጠፍኡ፣ ሎሚ ሰንበት ንግሆ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ኮሚቴ ሴካፋ ኣረጋጊጾም።

 

ብሱዳን 3 ብ 0 ዝተሳዕረት ሃገራዊት ጋንታ ጽባሕ ሰኑይ ምስ ኡጋንዳ ግጥም ኣለዋ።

ብ Red Camels እትፍለጥ ሃ.ጋ.ኤርትራ ተጻወታ ካብ ዑቕባ ንምሕታት ንላዕሊ ዋንጫ ንምዕታር ከምዘቛምቱ ኣሰልጣኒኣ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፣ እታ ጋንታ ካብ ህድማ ተጻወቲ ክትድሕን ድያ ኣይፋላን፣ ግጥማታ ዛዚማ ናብ ኤርትራ ኣብ እትምለሰሉ ግዜ’ዩ ዝርአ ክብሉ ተዓዘብቲ ስፖርት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ብዛዕባ ህድማን ኩነታት ሃገራኢውት ጋንታን ብዝምልከት ተወሳኺን ዝርዝርን ሓበሬታ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።
===========

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0