ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምስ ውሑዳት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ብምስጢር ከካይዶ ዝወጠኖ ዕጹው ኣኼባ፣ ተቓውሞ ገጢምዎ

ሚኒስተር ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብ ሽወደን ደቡባዊ ክ አተማ ስቶኮልም ኣብ ሄግዳልን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ፣ ንፍሉያት ኣባላትን ደገፍትን ህግደፍ ብምስጢር ከካይዶ ዝወጠነ ዕጹው ኣኼባ፣ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ቅድሚ ሳልስቲ ብምስጢር ናብ ሽወደን ብምእታው፣ ምስጢራውን ዕጽዉ ኣኼባ ንምክያድ ዝወጠኖ መደብ፣ እቲ ሓበሬታ ኣቐዲሙ ንኤርትትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝበጽሖም’ዮም ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ወዲቦሞ።

 

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ፖሊስ ከተማ ስቶኮሎም ናብቲ ቦታ ከምእተረኽቡ፣ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ድማ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብምስጢር ዕጹው ኣኼባ ከካይድ ምውጣኑ ንመንግስቲ ሽወደን ከምዘቖጥዖን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ስቶኮልም ኣረጋጊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ሽወደን ዝኣተወሉ ወግዓዊ ዕድመ ስለዝተገብረሉ ከምዘይኮነ ዘረጋገጸ መንግስቲ ሽወደን ድማ፣ ብዛዕባ ዕላማ ዑደት እቲ ጀነራል ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ኣነጺሩ።

ሽወደን እታ ዝበዝሑ ዕሉላት ደገፍቲ ህግደፍ ዝቕመጡላ ሃገር ኮይና፣ ምንቕስቓ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ እናሓየለ ኣብ ዝመጸሉ ግና፣ ደገፍቲ ህግደፍ ክገማምዑ ይርኣዩ ምህላዎም ሓያሎ ወገናት ይጠቕሱ።

መርኣያ ናይዚ ድማ እቲ ብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ኣብ ዝርከብ ሰለስተ ኣዳራሻት ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሕእደ እዋን ብሓዊ ምብርዑ’ዩ ዝበሉ እቶም ወገናት፣ እዚ ጀነራል ስብሓት ኤፍሪም ብምስጥሪ ኣኼባ ከካይደሉ ዝወጠነ ኣብ ሄግዳለን ዝርከብ ኣዳራሽ’ውን ሓደ ካብቲ ዝተቓጸለ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እታ ብደጀን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ እትፍለጥ ዝነበረት ሽወደን ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብቲ ዝልዓለ ምንቕስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝርኣየላ ሃገር ኮይና ምህላዋ’ውን ይፍለጥ።
============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0