ስዑዲ ዓረብ፣ ሃገራት እስላም ኣንጻር ኢራን ደው ክብላ ጸዊዓ

Radio Erena: 31 May 2019

ሃገራት እስላምን ሃገራት ዓረብን ኣንጻር ኢራን ተሪር መርገጺ ክወስዳ ስዑዲ ዓረብ ጸዊዓ።

እታ ሃገር ነዚ ዝጸውዐት፣ ሓሙስ 30 ግንቦት፣ ኣብ ከተማ ማካ ኣብ ዝተኸፍተ ህጹጽ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ሃገራት እስላምን’ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ መራሕቲን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ናይ ልዕሊ 30 ሃገራት ይሳተፉ ኣለዉ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል፣ ኣንጻራ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ኵናት ከተካይድ ንዝጸንሐት ቀጠር’ውን ኣብቲ ዋዕላ ክትሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ኣቕሪባትላ’ያ።

ኣንጻር የመን ኣብ ዝኸፈተቶ ግንባር፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሓያሎ ሃገራት ናብ ሓደ ደንበ ዝኣከበት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ናይ ኢራን ኩነታት’ውን ተመሳሳሊ መስርሕ’ያ ትኽተል ዘላ።

እቲ ዋዕላ፣ ሎሚ 31 ግንቦት’ውን ይቕጽል ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0