Radio Erena: 28 May 2019

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ዶባት፣ ኣጠቓቕማ ወደባት፣ ጉዳይ መንበሪ ፍቓድ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራትን ካልእን ዘጠቓለለ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ ኤርትራ ዘቕረበቶ ዝተፈላለየ ጠለባት፣ ብወገን ኤርትራ ዛጊት መልሲ ከምዘይረኸበ ሓደ ዲፕሎማሰኛ ሓቢሩ።
እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ዲፕሎማሰኛ፣ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ከምቲ ዝተጀመሮ ይኸይድ ከምዘየለ ብምምልካት እቲ ምኽንያት ድማ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ምድንጓያት ‘ዩ ክብል ጠቒሱ።
ብወገን ኢትዮጵያ ዝተጻፈፉ መደባትን ዝተዳለዉ ሓይሊ ዕማማትን ከምዘለዉ ብምምልካት፣ ብወገን ኤርትራ ግና ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ምድላዋት ዝበቅዕ ግብረ መልሲ ከምዘይተራእየ ኣስሚርሉ።
ዝመጽእ ወርሒ ሓደ ዓመቱ ዘቑጽር ምቅርራብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ን20 ዓመታት ፈላልዩ ዝጸንሐ መሰረታዊ ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ኣብ ማዕልብኡ ከብጽሕ’ውን ኣይከኣለን።
ንዝተወሰነ እዋናት ተኸፊቱ ዝነበረ ዶባት፣ ብወገን ኤርትራ ድሕሪ ምዕጻዉ፣ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዶባት ብሕጋዊ መልክዑ ንምኽፋቱ፣ ናይ ግምሩክን ካልእን ኣሰራርሓ ንምኽፋት ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ክትጠቅስ ጸኒሓ’ያ።
====================
