ኣል ሸባብ፣ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ሶማል ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 15 May 2019

እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ፣ ኣብ ከባቢ ቤት መንግስቲ ሶማልያ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

እቲ ብሰሉስ 14 ግንቦት፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ብምፍንጃር’ዩ ተኻይዱ።

በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት፣ ሰራሕተኛታት እቲ ቤተ መንግስቲ ይኹኑ ሓለፍቲ መንገዲ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ ጎደና ዋርታ ናባዳ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ሶማልያ፣ ብጽኑዕ ካብ ዝሕሎ ከባቢታት ከተማ ሞቛድሾ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0