ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ‘ይኣክል’ ብሰፊሑ ይከታተሎ

Radio Erena: 12 May 2019

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ‘ይኣክል’ ብሰፊሑ ይከታተሎ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ‘ይኣክል’ መልእኽታት ብውልቀሰባት ጀሚሩ፣ ብጉጅለታት ከምኡ እንዳበለ ከኣ ብከተማታትን ሃገራትን ብሓድሽ ውዳበ ይቕጽል ከምዘሎ በብእዋኑ ክቃላሕ ቀንዩ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ኣብ ብራስለስ፣ ቺካጎ፣ ፓሪስን ካልኦት ከተማታትን ዝተኻየደ ኣኼባታት፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝኹንን፣ ፍትሕን ሕግን ንክነግስ ዝጠልብን ምንባሩ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እዞም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኣኼባታቶም፣ ‘ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዒን ጥልመትን ብትሪ ንኹንን’ ድሕሪ ምባል፣ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ሓድነቱ ኣደልዲሉ ብሓባር ንሓርነቱን ልኡላውነቱን ክቃለስ ጸዊዖም።

ኣኼበኛታት፣ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ዝውክል ስርዓት ክትከል፣ ልዕልና ሕጊ ክኽበር፣ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ተሓዪሮም ዘለዉ ዜጋታት ክፍትሑ፣ ዶብ ኤርትራ ክሕንጸጽን ልኡላውነት ክኽበርን ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምውሓስን ፍትሒ ንምንጋስን፣ ኣበርክቶን ሓድነትን ህዝቢ ዘረጋግጻን ዘወሃህዳን ሽማግለታት ብምምራጽ ናይ ‘ይኣክል’ መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ እውን ነዚ ብበበይኑ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ስደት ብዝርከቡ ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ጎስጓሳትን ተቓውሞታትን ብሰፊሑ ይዛረበሉ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክቱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Nogusse 5 years ago

    Radio Hasena Yiakilekum nisikum! Deleyti Hasot, Deleyti tslie, Esubat ,Nizeyifelit Tegagiyu, Nirebahkum ember ni Rebiha Hagere Eritrea zeyitihasibu. Nisikakitkum Kab IS-tefelikum zeytireayu agannti ekum.