ኬንያ፣ ካብ ሞቛድሾ ዝካየድ ቀጥታዊ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 13 May 2019

ኬንያ፣ ካብ ሶማልያ፣ ከተማ ሞቛድሾ ዝካየድ ቀጥታዊ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያ ደው ከምዘበለቶ ጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ሓቢራ።

መንግስት ኬንያ፣ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት “ጸጥታ” ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ሰብ ስልጣን ሶማልያ፣ እቲ ናይ ኬንያ ስጉምቲ “ፖለቲካዊ’ዩ” ክብሉ ይምለሱ።

እቲ ካብ 10 ግንቦት እትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ዝምድና ሶማልያን ኬንያን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ሰበ ስልጣን ሞቛድሾ የጠንቕቑ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ኬንያ፣ ካብ ከተማ ሞቛድሾ ዝተበገሳ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ብቀጥታ ናብ ናይሮቢ ቅድሚ ምብጽሐን፣ ኣብ ዶብ ናይ እትርከብ ዋጂር ዝተባህለ ከተማ ኬንያ ዓሊበን፣ ተጓዓዝቲ ጸጥታዊ ምጽራይ ክካየደሎም’ዩ።

እዚ ናይ ኬንያ ስጉምቲ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ተጓዓዝቲ ዝፈጥሮ ምድንጓይ፣ ኣብ ንግዲው’ን ዕንቅፋት ከምዝፈጥር’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እንተኾነ መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ ዝጸንሕ ውሳኔ፣ ምስ ጸጥታ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣይሃበሉን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0