ኬንያን ሶማልን፣ ኣምባሳደራትን ክመልሳ ተሰማሚዐን

ኬንያን ሶማልን፣ ኣምባሳደራትን ክመልሳ ተሰማሚዐን

ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያን ሶማልን፣ ኣምባሳደራትን ክመልሳ ተሰማሚዐን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ነዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ጸሓፊት ካቢነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ሞኒካ ጁማ ምስ ሶማላዊ መዘንኣ ኣሕመድ ዒሳ ዓዋድ፣ ብ4 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ሉኣላዊ ግዝኣት ኬንያ ኣብ ዝኾነ ክሊ ማይ፣ ናይ ዕደና ንጥፈታት ንምክያድ ምስ ቻይና ስምምዕ ከቲሙ ኢሉ ዝወቐሰ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት፣ ኣብ ሞቛድሾ ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ክስሕብ እንከሎ፣ ኣብ ናይሮቢ ንዝነበረ ኣምባሳደር ሶማል ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ሃገሩ ከምዘፋነዎ ኣይርሳዕን።

ሶማልን ኬንያን፣ ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ ሽምግልና ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ጉዳየን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዝወሰና ይፍለጥ።

ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብዋንነት ‘ቲ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዎ ገማግም፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክሰሓሓባ እኳ እንተጸንሓ፣ ኩበንያታት ዕደና ኣብቲ ከባቢ ዳህሳስ ከካይዳ ካብ ዝጀመራሉ ኣብ 2014 ግና እናገደደ’ዩ መጺኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0