Radio Erena: 18 March 2019
መንገዲ ኣየር ኣየር ቀጠር ናብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ዘካይዶ ዝነበረ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብ መወዳእታ ዕለት ናይዚ ወርሒ ኣትሒዙ ደው ከብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ሱዳን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ንግዜኡ ደው ከብል ዝወሰነሉ ምኽንያት ብሰንኪ ዕዳጋ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ዝምድና ሱዳንን ቀጠርን ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ተንተንቲ ኣገንዚቦም።
ፕረዚደንት በሺር ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ወጥሪ ወዲቕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓንቲ ካብተን ናብ ካርቱም ስሩዕ በረራታት ዘካይዳ ዝነበራ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ደው ከተብል ምዃና ምግላጻ፣ ኣሉታዊ ምስሊ ዝፈጥር’ዩ ክብሉ’ውን እቶም ተንተንቲ የረድኡ።
ብፍላይ እቲ መንገዲ ኣየር ናይ ካርቱም በረራታቱ ደው ብምብላ፣ ናብ ሶማል ከተማ ሞቋድሾ ሓድሽ በረራታት ክጅርም ምዃኑ ይገልጽ ምስ ምህላዉ፣ እቲ ምኽንያት ዕዳጋ ዘይኮነ ፖለቲካ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝጥቀስ።
ቀጠር ንሱዳን ገዚፍ ቁጠባውን ወትሃደራውን ሓገዛት ክትገብረላ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ሱዳን ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ክግበረላ ጸኒሓ’ያ።
ይኹን’ምበር ሱዳን፣ ምስታ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ዘለዋ ቀጠር ዝምድንኣ ከምዘይትበትኽ ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተን ዲፕሎማሲን ክፍታሕ’ያ ተማሕጺና።
ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ንሱዳን ብሓገዝ ንምስዳዕ ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ቅድድም፣ ቀጠር ኣብ ወደብ ስዋኪንን ካልእን ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መደባት ልምዓትንን ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከርን ክትጸቕጠሉ እንከላ፣ ስዑዲ ዓረብ ብወገና፣ ንቁጠባ ሱዳን ንምብርባር ኣብ ሃገራዊ ባንክ እታ ሃገር ቢልዮናት ዶላር ኣውፊራ’ያ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ተሓቢሩ።
እቲ ብ ኣል ፉልክ 3 ዝተሰምየ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ’ዩ ተኻይዱ።
====================
COMMENTS