ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ይዝትዩ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ይዝትዩ

Radio Erena: 06 March 2019

Eritreans in stockholm

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ንህሉው ኩነታት ሃገር ብዝምልከት ተኸታተልቲ ኣኼባታት የካዪዱ ከምዘለዉ፣ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

በዚ መሰረት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፣ ኣብ ሃገሮም ሓድሽ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክመእን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ስልጣኑ ከረክብን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንኩሉ ዘርብሕን ዝሓቁፍን ማሕበረሰብ ክምስረት ጸዊዖም።

ኣብቲ ብሰምበት 03 መጋቢት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብትንሳኤ ኤርትራ ዝበሃል ሓድሽ ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ንምምስራት ዝቃለስ ምትእኽኻብ ኮይኑ፣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ተረኺቦም።

ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ናንት ተራኺቦም፣ ብደረጃ ኣህጉር ዝውክልዎም ሰባት ንምምራጽን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር ብፍላይ ከኣ ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ፖለቲካ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸተሞ ስምምዓት ተኸቲሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ጽገናታት ክገብር ብዘይምኽኣሉ ናይ ሕልና እሱራት ብዘይምፍትሑ ንነውሕ ዓመታት ተደናገጽቱን ደገፍቱን ዝነበሩ እውን ኣቖጢዑዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብፍላይ ከኣ ብሚስጢር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵYኣ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዓትን ዝምድናታትን ንህዝቡ ብዘይምሕባሩን ኣውራ ድማ ንሉኣላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተኽእሎ ዘለዎም ከም ምምልካት ዶብ ክትግበሩ ብዘምይምግዳሱ ከም አንግስትስና ንርእየሉ እዋን ኣብቂዑ እዩ ዝብሉ ወገናት ቁጽሮም እንዳበርከተ ይመጽእ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0