ስዑዲ ዓረብ ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ጓለነስተይቲ ኣምባሳደር መዚዛ

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ጓለነስተይቲ ኣምባሳደር መዚዛ

Radio Erena: 25 February 2019

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንመጀመርያ እዋና፣ ጓለነስተይቲ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሪማ ባንዳር ኣል ስዑዲ፣ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክይና’ያ ተረቑሓ ዘላ።

ንሳ፣ ጓሉ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ባንዳር ቢን ሲልጣን ኣል ስዑድ’ያ።

ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ወዱ ንጉስ ሳልማን፣ ካልድ ቢን ሳልማን ተኪኣ ድማ’ያ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኮይና ዘላ።

ካልድ ቢን ሳልማን፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሱ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ኣሎ።

እዛ ካብ ንጉሳውያን ቤተ ሰበ እትውለድ ኣምባሳደር፣ ብሰንኪ ቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ቓሾጊ፣ ኣብ መንጎ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ምዕራብን ተፈጡሩ ዘሎ ክርክር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝዓበየ ብድሆ ክኾና ከምዝኽእል ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ደቂንስትዮ መኪና ክዝውራን፣ ኣብ ከም ሲነማን ሜዳታት ስፖርትን ዝኣመሰለ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ክኣትዋን ከምዝፈቐደት ዝዝከር’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0