ሶማል፣ ብመጥቃዕቲ ቦምባ 15 ሰባት ሞይቶም

ሶማል፣ ብመጥቃዕቲ ቦምባ 15 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 23 December 2018

mokadishoኣብ ከተማ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ማንታ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብዕለት 22 ታሕሳስ ኣብ ኣፍደገ ምርኢት ዝካየደሉ ኣዳራሽ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ዓሰርተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ሒደት ደቓይቕ ድሒሩ ዝተፈንጀረ ቦምባ ከኣ ህይወት ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ወሲዱ።

ፖሊስ ከተማ ሞቓድሾ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ በቲ ዳሕረዋይ ዝተፈንጀረ ቦምባ ዝተጎድኡ ብዙሓት ብምዃኖም፣ ቁጽሪ ምዉታት ካብዚ ንላዕሊ ክብ ክብል ከምዝኽእል ገሊጹ።

ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

 

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0