እስራኤል፣ ብኤርትራውያን መማህራንን ወለዲን እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፣ ኣቡጊዳ ተማሃሮኣ ተመርቕ

እስራኤል፣ ብኤርትራውያን መማህራንን ወለዲን እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፣ ኣቡጊዳ ተማሃሮኣ ተመርቕ

Radio Erena: 26 November 2018

Abugida

ኣብ እስራኤል እትርከብ፣ ብኤርትራውያን መማህራንን ወለድን እትእለ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ፣ ን10 ኣዋርሕ ከተምህሮም ዝጸንሐት ተማሃሮኣ ብ24 ሕዳር ኣመሪቓ።

ኣብዚ ዝተዛዘመ ናይ 2017/2018 ስሩዕ ናይ ትምርቲ መደባት ኣቡጊዳ፣ ካብ ዝተመዝገቡ 150 ተማሃሮ፣ እቶም 110 ትምህርቶም ብግቡእ ብምክትታል ናብ ዝቕጽል ክሰግሩ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ 40 ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ትምህርቶም ከምዘቛረጹ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ተማሃሮ ትምህርቶም ዝዛዘምሉ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፣ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝተሓቑፉ ተማሃሮ፣ ርኡይ ለውጥታት ከምዘመዝገቡ ምስክርነቶም ዝሃቡ ወለዲ፣ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ዕውታት ይኾኑ ምህላዎም ጠቒሶም።

ብክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን መማህራን ኣብ 2013 ዝተመስረተት ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ንተነጽሎን ማሕበራዊ ብድሆታትን ዝተቓልዑ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ቋንቋኦም፣ መንነትቶም ታሪኾምን ንብግቡእ ኽፈልጡ ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ጸኒሓ’ያ።

እታ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ኣብ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ቅድሚት ክስጉሙ ንምሕጋዞም’ውን፣ ኣብ ቁጽሪ፣ ቋንቋ እንግሊዝን ስነ ፍልጠትን ተወሳኺ ትምህርቲ ከምዝህቦም ይፍለጥ።

ኣብ ልዕል’ዚ ድማ ወለዲ እቶም ተመሃሮ፣ ኣብ መዓልታዊ መነባሮእም ክሕግዞም፣ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ፣ናይ እብራይስጥ ቋንቋ ትምህርቲ’ውን ከምእትህብ ይፍለጥ።

ኣቡጊዳ፣ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ማሕበረ ኮማት ኤርትራ ዘቖምዎ፣ ካብ ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ ዝኾነ፣ ኣብ ቆልዑ ዘድሃበ ናይ ቋንቋ፣ መንነት፣ ባህልን ኣካዳምያው ንጥፈታትን እትህብ፣ ዕውትቲ ቤት ትምህርቲ’ያ።

ባሕቲ ጥሩ ኣብ ዝጅምር ናይ ዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ፣ ንደቆም ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ክጽንብሩ ንዝደልዩ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ወለዲ፣ ምዝገባ ካብ16 ታሕሳስ ምዃኑ ኣካየድታ ይሕብሩ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0