ቻድን እስራኤል ኣብ ወትሃደራዊን ጸጥታውን መደያት ክተሓጋገዛ ይዝትያ

ቻድን እስራኤል ኣብ ወትሃደራዊን ጸጥታውን መደያት ክተሓጋገዛ ይዝትያ

Radio Erena: 27 November 2018

chadandisraelቻድን እስራኤልን፣ ኣብ ወትህደራውን ጸጥታውን መዳያት ክተሓጋገዛ ኣብ ዘኽእለን ጉዳያተ ከምዝዘተያ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ፣ ብሰነበት 25 ሕዳር፣ ኣብ እስራኤል ታሪኻዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ተራኽቢ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

መራሒ ቻድ ናብ እስራኤል ክበጽሕ፣ እታ ሃገር ኣብ 1948 ካብ ዝተመስረተትሉ እዋን እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ምስ ቻድ ዝጸንሐ ዝሕቱል ዝምድና ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ እስራኤል ንቻድ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገበረት ተሓቢሩ።

እቲ ካብ እስራኤል ዝተለገሰ ኣጽዋር፣ መንግስቲ ቻድ፣ ኣብ ሰሜናዊ እታ ሃገር ዝንቐሳቐሱ ምስ ሽበራውያን ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም ዕጡቓት ንምጥቃዕ ከምዝጥቀመሉ’ዩ ተሓቢሩ።

እስራኤል፣ እዚ ምስ ቻድ ጀሚራቶ ዘላ ዝምድና፣ ምስ ካልኦት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ክትቕጽሎ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ብዝህቦ አለዎ ገምጋም፣ እስራኤል ድሕሪ ቻድ ጠመተ ጌራትላ ዘላ ሃገር ሱዳን’ያ።

እስራኤል፣ ምስዘን ኣብ ሳሕለ-ሰሓራ ዝርከባ ሃገራት፣ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ዝምድናታት ትምስርት ዘላ፣ ከም ቦኮ ሓራምን ዳዒሽን ዝኣመሰሉ ሽበራውያን ጉጅለታት ዝፈጠርዎ ስግኣት ምዃኑ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ እስራኤል ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝደፍኣሉ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናይ ምስጓግ መደብ ምዃኑ ይጥቐስ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0