Radio Erena: 28 October 2018
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፣ 18 ሰባት ከምዝሞቱ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ኣብቲ ብቀዳም 27 ጥቅምቲ ናይ ንግሆ፣ ናይ ሰራዊት መኪና ምስ ሚኒባስ ብምግጫው ዝተፈጥረ ሓደጋ፣ 12 ሰባት እውን ቆሲሎም ከምዘለዉ ሺን ሁ ዋ ሓቢሩ።
ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ገና ኣብ መጽናዕቲ ስለዘሎ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ኢትዮጵያ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ ካብተን ዝወሓደ ተሽከርከርቲ ዘለወን ሃገራት እኳ እንተኾነት፣ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ጽርግያታትን፣ ኣብ መምርሒ ፍቓድ ምውጻእ ብዘሎ ምጥፍፋእን፣ ካብተን ብብዝሒ ሓደጋ ዝፍጸመለን ሃገራት ዓለም እያ።
===============
COMMENTS