ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራትን ኩባንያታትን ዝበኾራሉ ዋዕላ ወፍሪ ስዑዲ ዓረብ ተኸፊቱ

ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራትን ኩባንያታትን ዝበኾራሉ ዋዕላ ወፍሪ ስዑዲ ዓረብ ተኸፊቱ

Radio Erena: 24 October 2018

Riyad Conference

ብሰንኪ ቅትለት ሱዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፣ ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራት ኩባንያታተን ዝቦኾራሉ ዋዕላ ወፍሪ ስዑዲ ዓረብ ትማሊ ሰሉስ 23 ጥምቅቲ ኣብ ሪያድ ተኸፊቱ።

እዚ ክሳብ ሓሙስ 25 ጥቅምቲ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ምስታ ሃገር ግዙፍ ናይ ወፍሪ ርክባት ዝጸንሐ ከም ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ከምኡ ድማ ኣብ ነዳዲን ባንክታትን ዘውፍራ ኩባንያታትን ከምዘይሳተፋ ኣቐዲመን ኣረጋጊጸን’የን።

ኣብ ኣመሪካ ዝምቕማጡ ስዑድድድዳዊ ጋዜጠኛ፣ ብጉዳይ ናይ መርዓ ሰነዳት፣ ኣብ ቱርኪ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ድሕሪ ምእታው፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ።

ነዚ ናይ ስዑዲ ተግባር ዝተቓወማ ሓያሎ ሃገራትን ኩባንያታትን ድማ፣ ኣብቲ ቢልዮናት ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምስሓብ ዘንቀደ ዋዕላ ካብ ምስታፍ ቦኺረን ኣለዋ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ወፍርን ሓገዝን ዝጽበያ ከም ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዝኣመሰላ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግና፣ ጉዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ብዘየገድስ፣ መራሕተን ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፉ ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0