ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ንዝመጽእ ዘሎ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን መሸጢ ዝኸውን ማእከል ዕዳጋታት ኣብ መርሓኖ ይኽፈት

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ንዝመጽእ ዘሎ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን መሸጢ ዝኸውን ማእከል ዕዳጋታት ኣብ መርሓኖ ይኽፈት

Radio Erena: 23 October 2018

merhanoካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ንዝመጽእ ዘሎ ኣቑሑ፣ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን መሸጢ ዝኸውን ማእከል ዕዳጋታት ኣብ ከባቢ መርሓኖ ይድኮን ኣሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ ኣስመራ፣ ፈቐዶ ጎደናታት ብፍላይ ድማ ከባቢታት ማይ ኣባሻውል፣ ባሕቲ መስከረምን መናሃርያን ብፍኑው ክካየድ ዝጸንሐ ንግዲ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ዝኣቱ ዘሎ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢ መርሓኖ ኣብ ዝድኮን ዘሎ ማእከል ዕዳጋ ክሕጸር’ዩ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን ንዕዳጋጋት ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣረጋጊእዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እዚ ብዘይዝኾነ ስምምዕን ብፍኑው መንገድን ዝካየድ ዘሎ ዶብ-ሰገር ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብ መጠን ሸርፍን ቁጠባን ምዝንባዕ ይፈጥር ከምዘሎ ይግለጽ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0