ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተላዕለ ናዕብን ግርግርን ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተላዕለ ናዕብን ግርግርን ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 23 October 2018

alamata unreastኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ፣ ብጉዳይ መንነት ራያ፣ ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 3 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብሰንበት 21 ጥቅምቲ ኣብ ኣላማጣ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ብስም ናይ መንነት ሕቶ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታትን ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይን ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ወሃቢ ሓበሬታ ናይቲ ክልል፣ ዝኾነ ዓይነት ሕቆ ዘለዉ ጉጅለ ብሕጋውን ደሞክራስያውን መንገዲ ደኣ’ምበር ጎነጽ ክጥቐም ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።

መግለጺ ናይቲ ክልል ብተወሳኺ፣ በቲ ግጭት ሰለስተ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄርን መንነትን ስምዒታት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ከባቢታት ወልቃይትን ራያን ናብ ክልል ኣምሓራ ክምለስ ዝጠልቡ ሓያሎ ጉጅለታት ከምዘለዉ ክርአ ጸኒሑ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ናይ ለውጢ ጎደና እኳ እንተላ፣ እዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት’ታ ሃገር ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ስምዒታት ናብ ዝበኣሰ ውድቀት ከየምርሓ ፖለቲካውን ተንተንቲ የጠንቕቑ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝዓበየ ዕጡቕ ተቓዋሚ ሓይሊ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

እቲ ስምምዕ፣ ብሰንበት 21 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኣስመራ’ዩ ተኸቲሙ።

ሓለፍቲ ናይቲ ግንባርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ኣስመራ ሓጺር ርክብ እኳ እንተካየዱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ስምምዕ ከይበጽሑ ምጽንሖም ይግለጽ።

ክልል ኦጋዴን፣ ብሰንኪ’ቲ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭታት፣ ኣብቲ ዞባ ዝተዋፈራ፣ ናይ ቻይና ኩባንያታት ዕደና ነዳዲ ንጥፈታተን ኣደስኪለን’የን ጸኒሐን።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0