ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ 36 ሄክታር መሬት ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትህብ’ያ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ 36 ሄክታር መሬት ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትህብ’ያ

Radio Erena: 18 October 2018

addis la gareኢትዮጵያ፣ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ 36 ሄክታር መሬት ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከተረክብ ምዃና ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ብትእዛዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንኣውፈርቲ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ሕቡራት ኢማራት ክወሃብ ከምዝተወሰነ ዝተገልጸ ሰፊሕ መሬት፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ትጽቢት ዝግበረሉ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢ መሓመድ ቢን ኣልናህያን፣ ወግዓዊ ናይ ምርኽኻብ ስነ ስርዓት ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ከባቢ ‘ላ ጋር’ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት፣ ኣስታት 1500 ህዝቢ ዝሰፍረሉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ህዝቢ ከምዘይፈናቐልን፣ ኣካል’ቲ ናይ ወፍሪ መደባት ከምዝኸውንን’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኢትዮጵያ፣ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ወፍሪ ዝቐንዐ ሰፊሕ መሬት ትዕድል ዘላ፣ መርኣያ ናይቲ ምስታ ሃገር ጀሚራቶ ዘላ ጥቡቕ ዝምድና’ዩ።

ኣቐዲማ’ውን ኢትዮጵያ፣ ንቀጠር፣ ናብ ወፍሪ ዝቀንዐ ሽዱሽተ ሄክታር መሬት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝዓደለታ ይጥቀስ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዝጸንሓ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ክልል ኦሮሞ ክትኣቱን፣ ህዝቢ እናፈናቐልካ ክግበር ዝጸንሐ ንኣውፈርቲ መሬት ናይ ምዕዳል መስርሕን፣ ሓደ ካብቲ ቅድሚ ዓመታት ናዕብታት ዘለዓዓለ ጉዳይ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0