ከሰላ፣ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም 11 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ

ከሰላ፣ ሓድሽ ተላባዒ ሕማም 11 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ

Radio Erena: 28 September 2018

Kassala Chikunguya

ኣብ ሱዳን ዞባ ከሰላ ዝላባዕ ዘሎ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ሕማም “ቺኩንጉያ” ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ከምዘሎ ኣፈና ምምሕዳር እቲ ዞባ ማግዙብ ኣቡ ሙሳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታኣፍሊጡ።

ንሱ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ብዝሒ ሰባት ዛጊት 11 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ እኳ እንተመልከተ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ወግዓዊ ሓበሬታ ግና ከምዘየሎ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር ዝተፈላለዩ ወገናት ካብ ከሰላ፣ በቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 20 በጺሑ ከምዘሎ’ዮም ዝጠቕሱ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ናብቲ ዞባ ህጹጽ ሓገዝ ከምዝልኣኸ ዝሓበረ ኣፈኛ ምምሕዳር ዞባ ከሰላ፣ እቲ ሕማም ብልዑል ናህሪ ይላባዕ ብምህላዉ፣ እቲ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብቲ ዞባ ድሕሪ ድሕሪ ዝወረደ ሓያል ዝናብ ከምዝሰዓበ ዝግለጽ ዘሎ ሕማም “ቺኩንጉያ” ይላባዕ ከምዘሎ ወከልቲ ዞባ ከሰላ እኳ እንተገለጹ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

ሕማም “ቺኩንጉያ”፣ ብቫይረስ ዝስዕብ ኮይኑ ብጣንጡ ከምዝመሓላለፍ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ልዑል ረስኒን ቃንዛ ኣብ መላግቦታትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ዘለዎ ሕማም፣ ብዝቐልጠፈ ሞት ዘየስዕብ እኳ እንተኾነ፣ህጹጽ ሕክምና እንተዘይረኽቡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሳብ ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ከቢድ ስንክልና ከምዘስዕብ ክኢላታት ይገልጹ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0