ባንክ ዓለም፣ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ንመንግስቲ ሶማል ልቃሕ ፈቒዱ

ባንክ ዓለም፣ ድሕሪ 28 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ንመንግስቲ ሶማል ልቃሕ ፈቒዱ

Radio Erena: 28 September 2018

World Bank

ባንክ ዓለም፣ ንመንግስቲ ሶማል ናይ 80 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ክህብ ምዃኑ ብ26 መስከረም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንመንግስቲ ሶማል ቀጥታዊ ናይ ገንዘብ ልቃሕ ከይወሃብ ከልኪሉ’ዩ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ከም ምግታእ ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስን ካልእ ዝኣመሰለ ፕሮጀክታት ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክምውል ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ምስ መንግስቲ ሶማል ዝነበሮ ዝሕቱል ዝምድና ኣብ 2013’ዩ ኣመሓይሹ።

ኣብዚ 28 ዓመታት ድማ ንፈለማ እዋን፣ ንፊናንስን ባጀትን መንግስቲ ሶማል ብልቃሕ ክምውል በቒዑ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ፊናንስያዊ ልቃሕ ኣጽዲቑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0