ኢትዮጵያ፣ ብምልዕዓል ናዕቢ ዝተኸሰሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

ኢትዮጵያ፣ ብምልዕዓል ናዕቢ ዝተኸሰሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

     Radio Erena: 24 September 2018

 burayu court     ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዓሌታዊ ግጭት ዘስዓቦ ቅልውላው ብዝተኣሳሰር ዝተጠርጠሩ፣ 312 ሰባት ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም።

     እቶም ኣብ ቡራዩ ዝርከብ ናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡሉ፣ ግጭት ክለዓል ጎስጒስኩም፣ ገንዘብ ኣዋፊርኩም፣ ንብረት ብምዕናውን ብምዝማትን ካልእን ዝብል ክስታት ተመስሪቱሎም።

 

     26 ካብቶም ጥርጡራት ብገበን ቅትለት፣ 195 ከቢድን ፎኪስን መጉዳእቲ ምውራዶም፣ ክኽሰሱ እንከለዉ፣ ኣርባዓ ሰባት ኣብ ቅትለት ምስታፎም፣ ዓሰርተ ከኣ ገበን ቅትለት ምፍጻሞም መርትዖታት ቀሪቡ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

     ፖሊስ’ቲ ዞባ 12 ሽጉጥ፣ ሓደ ቦምባ፣ ኣርባዕተ ካላሽን፣ 74 ከኣ ምሳርን ጎዞሞን ከም ኤግዚቢት ኣቕሪቡ። ተወሳኺ ጭብጥታት ንምእካብ ከኣ ናይ 14 መዓልታት ግዜ ሓቲቱ።

     ዓሌታዊ ግጭት ኢትዮጵያ፣ ንግዚኡ ዝሃደአ ደኣ ይምሰል እምበር፣ ጸጸኒሑ ፈኸም ምባሉ ከምዘይተረፎ፣ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0