መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም

Radio Erena: 24 September 2018

     መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም።

 kir with opposition     ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ክራኸብ ብዝሓተቶ መሰረት፣ ሪክ ማቻር ዝርከቦም ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቱ ዘትዩ።

 

     እቲ ፕረዚደንት፣ ኩሎም ተቓወምቲ ወገናት ኣብቲ ዝምስረት ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝሳተፉ ወከልቶም ክሰምዩ ወግዓዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

     ንምኽትሉ ነበር ሕጂ ቀንዲ ተቓዋሚኡ ዘሎ ሪክ ማቻር፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ክምለስ ኣብ ዝሓተተሉ፣ ሪክ ማቻር ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣትዩ ውሕስነት ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብ ካርቱም ክጸንሕ ከምዝወሰነ ብኣፈኝኡ ኣቢሉ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0