ኣብ ኣስመራ፣ 13 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ብጸሓያዊ  ጸዓት ዝሰርሕ ናይ ጎደና መብራህታት ብሓገዝ ቻይና ተተኺሉ

ኣብ ኣስመራ፣ 13 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ናይ ጎደና መብራህታት ብሓገዝ ቻይና ተተኺሉ

Radio Erena: 30 August 2018

asmera palotatቻይና ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ እተሰላስሎ ዘላ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት፣ ኣብ 13 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ ጎደና መብራህቲ ከምዝዘርግሐት ሓቢራ።

ምህናጽ እቲ ካብ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ተበጊሱ ንሓያሎ ጎደናታትን ከባቢታት ኣስመራ ዝሸፈነ ብጸሓይ ዝሰርሕ ናይ ጎደና መብራህታት፣ ካብ ሕዳር 2017 ጀሚሩ ኣብ ሚያዝያ 2018 ከምዝተዛዘመ መርበብ ሓበሬታ CGTN ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት፣ ብሓፈሻ 32 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ክሽፍን እንከሎ፣ መዓልታዊ 11 ሽሕ ኪሎዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ሰዓት የመንጩ።

ምስዚ ኣብ ጎደናታት ዝተተኽለ ናይ ጸሓያዊ ጸዓት ዝዛመድ፣ ኣስታት 400 ኣምፑላት’ውን፣ ኣብ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ቻይና ከምዝተሰርሐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

እቲ ኣብ ኣስመራ ተተኺሉ ዘሎ ብጸሓይ ዝሳርሕ ናይ ጎደና መብራህታት፣ ሓንሳእ ምስ ተተኽለ ብዘይካ መዓልታዊ ጸሓይ ምርካብ ካልእ ከምዘየድልዮ ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሐ ቻይናዊ ክኢላ፣ Wang Xiaochiang ገሊጹ።

ኣስመራ 2400 ሜትር ካብ ጽፍሒ ባሕሪ በሪኻ እትርከብ ኣብ ርእሲ ምዃና፣ መዓልታዊ ኣስታት 5 ሰዓት ጸሓይ ከም እትርከብ እቲ ክኢላ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ትሕተ ቅርጺ ከተማ ኣስመራ ኣዝዩ ኣረጊት ብምዃኑ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ናይ ጎደና መብራህቲ ንምትካል ኣዝዩ ዘመናዊ መሳርሒታት ከምዘድለየ ክኢላ’ቲ ቴክኖሎጂ Sun Wen Tao ብወገኑ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ ናይ ቻይና ፕሮጀክት፣ ናብ ርሑቕ ገጠራት ዝጠመተ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት’ውን ብምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0