ብሚኒስተር ልምዓት ዝምራሕ ልኡኽ ጀርመን፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ’ዩ

ብሚኒስተር ልምዓት ዝምራሕ ልኡኽ ጀርመን፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 23 August 2018

Gerd Muller

ብሚኒስተር ልምዓት ጀርድ ሙለር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ’ዩ።

ልኡኽ መንግስቲ ጀርመን ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ምትሕግጋዝን ንግድን ብኣውርኡ ድማ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዝቲ’ዩ።

እቲ ልኡኽ ካብ ሎሚ ሓሙስ 23 ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ንሓደ ሰሙን ኣብ ዘካይዶ ናይ ኣፍሪቃ ዑደት፣ ንኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ቻድ፣ ዚምባብዌ፣ ሞዛምቢክ፣ ቦትስዋናን ጋናን ከጠቓልል’ዩ።

================= 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0