“ኣብ ዶባት ሰፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ንምስሓቡ ምስ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ የለን፣” ሚ/ ምክልኻል ኢትዮጵያ

“ኣብ ዶባት ሰፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ንምስሓቡ ምስ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ የለን፣” ሚ/ ምክልኻል ኢትዮጵያ

Radio Erena: 20 August 2018

Ethiopian amy

“ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ሰራዊታ ትስሕብ ኣላ፣” ክብሃል ዝቐነየ ሓበሬታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ማቱማ መቃሳ ገሊጹ።

ንሱ ንሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቲ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝተራእየ ምንቕስቓስ ሰራዊት፣ ንቡር ኣሰራርሓ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ “ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ከባቢታት ሰራዊታ ትስሕብ ኣላ፣” ዝብል ሓበሬታ ግና ሓሶት’ዩ ክብል ኣርጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ዶባት ሰፊሩ ንዘሎ ሰራዊት ንምስሓቡ ዝብል ስምምዕ ከምዘይከተሙ ሓቢሩ።

10ታት ኣውቲቡሳትን ወትሃደራውያን መካይንን፣ ካብ ግንባር ሸራሮ ሰራዊት ንምውጻእ ተዋፊረን ዝብል ሓበሬታ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ካብ ትግራይ ክመሓለላፉ ቀንዩ’ዩ።

እቲ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ምስቲ ምስ ኤርትራ ዝተኸተሰም ስምምዕ ሰላም ብምትሓሓዝ፣ “ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ግንባራት ሰራዊታ ክትስሕብ ጀሚራ፣” እናተባህለ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናይ ኵናት ሃዋሁው ከምዘብቅዐ እኳ እንተገለጹ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ወይ ዝርርብ ከምዘካየዱ ምርግጋጹ ይዝከር።

 ስእሊ፣- ኢንተርነት ኣርካይቭስ

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0