ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ተታዅሶም

ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ተታዅሶም

Radio Erena: 05 July 2018

metemaኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት፣ ሓድሕዶም ከምዝተጋጨዉ ዝተፈላለያ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ምዕራብ ጎንደር፣ ከባቢ መተማ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ብረት ዝዓጠቑ ሓረስትቶ ዝተሳተፍዎ ብምዃኑ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ግጭት፣ ሓይልታት ሰራዊታ ብምዋፍር ነቲ ኩነታት ከተህድኦ ከምዝኽአለት’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ ‘ኣል ፋሽጋ’ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ብዋንነቱ ሓረስቶት ክልቲኤን ሃገራት ክጋጨዉ እዚ ናይ ፈለማ ፍጻሜ ኣይኮነን።

ነዚ ጸጸኒሑ ዝጎሃሃር ግጭት ንምፍታሕ መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ስምምዓት እኳ እንተኸተሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግለጽ።

====================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0