ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ስምምዕ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ይገልጹ

ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ምስ እስራኤል ዝተኻየደ ስምምዕ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ይገልጹ

Radio Erena: 23 April 2018

Uganda MP

ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ብዛዕባ ምቕባል ካብ እስራኤል ዝስጎጉ ኣስታት 500 ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ብዝምልከት ንመንግስቲ ሃገሮም ሕቶ ከምዘቕረቡ መደበር ቴሌቪዥን ኤን ቲቪ ሓቢራ።

እቶም ኣባላት ፓርላማ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ዑደት ብድሕሪ ምክያድ፣ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ብዝምልከት ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ካልኦት ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራትን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ’ዮም ነዚ ሕቶታት ኣልዒሎም።

ንሳቶም ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶታት፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኤርትራዉያንን ሱዳናውያንን ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል እናተዘራረበ እንከሎ ስለምታይ ንፓርላማ ዘየሓበረ ክብሉ’ውን ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣዋጢሮም።

ኣብቲ ዝርርብ ብዘይካ’ዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፖስፖርት ናይ ኡጋንዳ ዝሓዙ ወጻእተኛታት ከምዘለዉ ብምምልካት፣ ሚኒስትሪታት ውሽጣውን ወጻእን ጉዳያት መብርሂ ክህባሉ ሓቲቶም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝበጽሑ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኡጋንዳውን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደላትን ብዝርዝር ተኻቲዖምሉ።

ኣብዘን ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈሩ 16 ኡጋንዳውያን ርእስ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ብምትሕስሳብ፣ መንግስቲ ናብ ሃገራት ዓረብ ንስራሕ ዝገሹ ዜጋታት ምክትታል ክገብር ተማሕጺኖም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ 48 ዜጋታት ኡጋንዳ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክሞቱ እንከለዉ፣ እቶም 35 ርእሰ ቅትለት ብምፍጻም’ዮም።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ግዳያት ተመሳሳሊ ግፍዕታት ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0