ከሰላ፣ ኣብ ሓደ መስጊድ ብኻራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

ከሰላ፣ ኣብ ሓደ መስጊድ ብኻራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 March 2018

 kasala mosque attackኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ መንነቱ ዘይተነጸረ ሰብ ብሰሉስ 27 መጋቢት፣ ኣብ መስጊድ ብዝፈጸሞ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ ንፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከሰላ ያሒ ሱለይማን ብዝሃቦ ጸብጻብ፣ ካራ ዝሓዘ ሰብ ናብቲ መስጊድ ብምእታው፣ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ ሰባት ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ ከምዝጨደረ ይጠቅስ።

እንተኾነ ዝሰምዖ ሰብ ስለዝሰኣነ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ ብኻራ ክወግእ ከምዝጀመረ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ሓያሎ ከኣ ድሕሪ ምቑሳሉ ግና ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰባት ብእኩብ ጨፍጪፎም ቀቲሎሞ።

ፖሊስ ከሰላ፣ መንነቱ ይኹን ዕላምኡ ኣይገለጸን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ፣ ጃንጃዊድ ዝርከብዎም ሓይልታት ሚሊሻን ፍሉይ ኣሃዱታት ሰራዊትን ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0